ተካታታሊ መንፈሳዊ ሕቶታት ምስጢረ ስላሴ

Поділитися
Вставка
  • Опубліковано 26 гру 2024

КОМЕНТАРІ • 5

  • @berektigodef159
    @berektigodef159 11 місяців тому +1

    ስላሴ

  • @tezekereniyoutube
    @tezekereniyoutube 11 місяців тому +1

    👍👍👍

  • @abuneymaateyotub6589
    @abuneymaateyotub6589  11 місяців тому +1

    በረከት ተሳተፉ ብሩካተይ

  • @abuneymaateyotub6589
    @abuneymaateyotub6589  11 місяців тому +3

    በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን
    ሕቶታት ምሥጢረ ሥላሴ
    1.መን ፈጠረና ?
    ----->ሥላሴ
    2.ንመንከ ትኣምን ?
    ---> ንሥላሴ
    3.ሥላሴ ክንደይ እዮም ?
    ---> ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ
    4.ብምንታይ ሰለስተ ይኾኑ ?
    ---> ብስም ፥ ብግብሪ ፥ ብኣካል
    5.ብምንታይ ከ ሓደ ይኾኑ ?
    ---> ብባህርይ ፥ ብስልጣን ፥ ብመለኮት ፥ ብፍቓድ ፥ብህልውና
    6.እንታይ ከ ስሞም
    ---> ኣብ፥ ወልድ ፥ መንፈስ ቅዱስ
    7.እንታይ ከ ግብሮም ?
    --->አብ ወላዲ ፥ ወልድ ተወላዲ፥ መንፈስቅዱስ ሰራጺ
    8.አብ ማለት እንታይ ማለት እዩ
    ---> ኣቦ
    9.ናይ መን ኣቦ ፧
    ---->ናይ ወልድ
    10.ወልድ ማለት ከ ፧
    --->ዉሉድ
    11.ናይ መን ዉሉድ ፧
    --->ናይ አብ
    12.መንፈስ ቅዱስ ማለት ከ ፧
    ---->ሰራጺ
    13.ካብ መን ዝሰረጸ ፧
    --->ካብ አብ
    14.ካብ ወልድ ከ ይሰርጽ ድዩ ፧
    ---> ኣይሰርጽን
    15.እንታይ ደኣ ወንጌል የውሃንስ እምዚኣየ ይነስእ ዝብል ፧
    --->እሞ ይሰርጽ ዶ ኢሉ እዩ፥ ቃል'ዩ ይነስ'እ ዝበለ እምበር
    16.ቃል'ከ ኣበይ ኢሉ ፧
    --->አነስአ እምነየ ኢሉስ ስቅ በለ ወይነግረኩም በለ(ዮሃ.16:15)
    17.ኣካል ዝተባህለ እንታይ እዩ፧
    --->ኢድ፥ እግሪ፥ ዓይኒ፥ እዝኒ፥ ኣፍ፥ ኣፍንጫ፥ ስኒ፥ ካብ ጽፍሪ እግሪ ኣትሒዙ ክሳብ ጸጉሪ ርእሲ፥ ንአብ ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፥ንወልድ ፍጹም ኣካል ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ኣካል ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፥ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ።
    18.ሥላሴ ኣካሎም ከመይ እዩ ፧
    --->ምሉእ፥ ሰፊሕ፥ ረቂቕ
    19.ናይ ሰብ'ከ ፧
    --->ግዙፍ ፥ዉሱን ፥ጸቢብ
    20.ምልኣቶም'ከ ከመይ እዩ
    --->ከም ብርሃን፥ ከም ሙቐት፥ ከም ንፋስ፥
    21.ስፍሓቶም'ከ ፧
    --->ካብ ጽርሃ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ፥ ካብ ባርባሮስ ንታሕቲ መሰረቱ ፥ እዚ ስለ ዝኾነ ንሰብ ብዝፈልጦ ምንጋር እዩ፥ እምበር ንሥላሴ ዓለም ኣይውስኖምን እዩ።
    22.ሥላሴ ርቀቶም ከመይ እዩ ፧
    --->ካብ ኩሉ ንፋስ ትረቅቕ፥ ካብ ንፋስ እሳት ትረቅቕ፥ ካብ እሳት መላእኽቲ ይረቁ፥ ካብ መላእክቲ ነፍስና ትረቅቕ፡ ካብ ነፍስና ድማ ሥላሴ ይረቁ።
    23.ነብስና ንሥላሴ ከመይ ኢላ ትረኣዮም ፧
    --->ከም እምባ
    24.ሥላሴ ባህርያቶም ከመይ እዩ ፧
    --->ዘይጠሚ፥ ዘይሓምም፥ ዘይመዉት፥ ዘይደክም፥ ዘይጸምእ
    25.ናይ ሰብ'ከ ፧
    --->ሓማሚ፥ ጠማዪ፥ መዋቲ፥ ደኻሚ፥ ጸማኢ
    26.ስም ሓድነቶም'ከ ፧
    --->እግዚኣቢሄር፥ አምላኽ፥ ጸባኦት፥ ፈጣሪ፥ ኣዶናይ፥ መለኮት፥
    27.ስም ስጋኦም'ከ ፧
    --->ኢየሱስ ክርስቶስ፥ መድሃኔ ኣለም፥ ኣማኑኤል
    28.ኢየሱስ እንታይ ማለት እዩ ፧
    --->ፈውሲ
    29.ክርስቶስ ማለት'ከ ፧
    --->ክቡር
    30.መድሃኔ ዓለም'ከ ፧
    --->ተሰቒሉ ንዓለም ዘድሓነ
    31.ዓለም'ከ ፧
    --->ሰብ
    32.ኣማኑኤል ማለት'ከ
    --->አምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፥ ሰብ ከሎ አምላኽ ዝኾነ
    33.ሰብ ናይ ባህሪ ስሙ እንታይ ይበሃል ፧
    --->ሰብ
    34.ሰብ ናይ ግብሪ ስሙ እንታይ ይበሃል ፧
    --->መል ኣኽ ፣ ሰይጣን፥ ይበሃል
    35.እንታይ ተገበረ 'ዩ መልኣኽ ዝበሃል ፧
    --->እንተጾመ፥ እንተ ጸለየ፥ እንተሰገደ፥ እነትቖረበ፥ እንተኣፍቀረ፥ ኣስራት ቦኽራት እንተ ኣውጽአ፥
    36.እንታይ እንተገበረ'ኸ ሰይጣን ይበሃል ፧
    --->እንተዘይጾመ፥ እንተዘይጸለየ፥ እንተዘይሰገደ፥ እንተዘይቆረበ፥ እንተዘይኣፍቀረ፥ አስራት ቦኽራት እንተዘይ ኣውጽአ።
    37.ሥላሴ ብኹሉ ሙሉኣት ድዮም ፧
    --->እወ ብባሕሪ፥ ብምድሪ፥ ብሰማይ፥ ብየብስ፥ ብእንስሳ ፥ብዕንጨይቲ፥ ብአምኒ፥ ብኣራዊት፥ ብሓጥኣን፥ብጻድቃን፥ ብመላእኽቲ፥ ብኣጋንንቲ፥ ብኹሉ ሙሉኣት እዮም።
    38.ሥላሴ ኣብ ሓጥኣን ሰብሲ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ ፧
    --->ከም ዝተደጎለ ሓዊ ፥ ከም ኣብ ጎቦ ዘሎ ሓዊ ሜስ
    39.ኣብ ጻድቃን ነፍሲ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ ፧
    --->ከም ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ፥ ከም ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ
    40.ሥላሴ ኣብ ጎዱፍ ፥ ኣብ ጸብሪ ኣለዉ ዶ ፧
    --->እወ
    41.ኣይጽየቑን ድዮም ፧
    --->ኣይጽየቑን ፥ ከመይ ደኣ ብርሃን ጸሓይ ዘይትጽየቕ
    42.ናይ መን ስጋ ትበልዕ ነፍሲ ፧
    --->ናይ እግዚኣቢሄር ወልድ
    43.ናይ እግዚኣቢሄር አብን ናይ እግዚኣቢሄር መንፈስ ቅዱስን'ከ ፧
    --->ኣይበልዕን
    44.እንታይ ኮይንካ ፧
    --->ረቀቕቲ ኮይኖም
    45.ንሱ'ከ ረቂቅ'ዶ ኣይኮነን ፧
    --->ምስ ግዙፍ ስጋ ተወሃሂዱ እዩ
    46.ንሳቶም ዘይተወሃሃዱ ጸሊኦምና ርሒቖምና ድዮም ወይስ ንሱ ዕጭኡ ፧
    --->ስለ ስሞም ከይልወጥ እዩ
    47.ሰብነትሲ ምዉት ድዩ ህያው ፧
    --->ምዉት ሰብነቱ ህያው ብመለኮቱ ነብሲ ዝተፈልየቶ ፥ መለኮት ዝተወሃሃዶ ፥ አብን መንፈስ ቅዱስን ህያው ዝኾኑ።
    48.ምዉት ሰብነቱ ዝተባህለ መን እዩ ፧
    --->መለኮት
    49.ህያው መለኮቱ ዝተባህለ መን'ዩ ፧
    --->ስጋ
    50.ስላሴ ህልውናኦም ከመይ እዩ ፧
    --->ከም ልቢ ከም ቃል ከም እስትንፋስ
    51.ሥላሴ ከ ሓደ ሰብ ድዩ ከም ሰለስተ ፧
    --->ከም ሓደ
    52.ኣብ ሰለስተ ሰብ ክንደይ ልቢ ኣሎ ፧
    --->ሰለስተ
    53.ክንደይ ቃል ፧
    --->ሰለስተ
    54.ክንደይ ምስትንፋስ ፧
    --->ሰለስተ
    55.ኣብ ሥላሴ ክንደይ ልቢ ኣሎ ፧
    --->ሓደ
    56.ክንደይ ቃል ፧
    --->ሓደ
    57.ክንደይ ምስትንፋስ ፧
    --->ሓደ
    58.መን ልቦም አብ፥ መን ቃሎም ወልድ፥ መን ምስትንፋሶም መንፈስ ቅዱስ ፧
    --->ንአብ መን ልቡ ባዕሉ፥ ንወልድ መን ቃሉ ባዕሉ፥ ንመንፈስ ቅዱስ መን እስትንፋሱ ባዕሉ፥
    59.እግዚኣቢሄር ወልድ ካብ እግዚኣቢሄር አብ መዓስ ተወልደ ፧
    --->ንዘልኣለም እናተወልደ እነብር
    60.እቲ ካብ እግዝአትነ ማርያም ክጥነስ ከለኹ'ከ ፧
    ---> ንዘልኣለም እናተወልደ እነብር(ካብ አብ)
    61.እቲ ካብ እግዝአትነ ማርያም ክውለድ ከለኹ'ከ ?
    --->ንዘልኣለም እናተወልደ እነብር(ካብ አብ)
    62.እቲ ኣብ መስቀል ክስቀል ከለኹ'ከ ፧
    --->ንዘልኣለም እናተወልደ አነብር(ካብ ኣብ)
    63.እግዚኣቢሄር መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣቢሄር አብ መዓስ ሰረጸ ፧
    --->ንዘልኣለም እናሰረጸ እነብር(ከም ፈልፋሊ ማይ)
    64.እንታይ'ዩ ሃይማኖትካ ፧
    --->ተዋህዶ
    65.ተዋህዶ እንታይ ማለት እዩ ፧
    --->ቃልን ስጋን ዝተዋህደ ፥ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ኮነ ፥ ቃል ስጋ ኮነ ከም ዝበለ(ዮሐ.1:14)
    66.ብምንታይ ምኽንያት ፧
    --->ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ መጺኡ፥ ንእግዝአትነ ማርያም ፥ ክትጠንሲ ወዲ ዉን ክትወልዲ ኢኺ ምስ በላ ንሳ ከኣ ምድሪ ብዘይ ዘርኢ ክትፈሪ ፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ፥ ክትወልድ ኣበይ ርኢኻ በለቶ። ንሱ ከኣ ን እግዚኣቢሄር አምላኽ እሞ እንታይ ይሰኣኖ በላ። ንሳ ከኣ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ በለቶ። ብቕልጡፍ ከም ምርኣይ (ብርሃን)ከም ዓይኒ ፥ ከም ምስማዕ ከም እዝኒ ፥ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ለቢሱ (ነሲኡ)ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ኮነ።
    እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ክርስትያን እየ ክብል ኣይክእልን!!!
    ሕቶታት ምሥጢረ ሥላሴ ካብ ብዙሕ ዉሑድ እዚ እዩ፥
    ዘምበብናዮ ኣብ ልብና የሕድረልና እግዚኣቢሄር አምላኽ ኣሜን ።

  • @abuneymaateyotub6589
    @abuneymaateyotub6589  11 місяців тому +2

    ዝሳተፍ ስለ ዝሳአንኩ እየ ሙሉእ ሕቶንን መልስን አቀሚጠዮ ዘለኩ