One Health Program to combat Zoonotic Diseases and minimize risk. One Health

Поділитися
Вставка
  • Опубліковано 7 січ 2025
  • ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ምሰ ዓለም ለኸ ትካል ሕርሻን ምግብን FAO ብሓባር ዘዳለዉዎ ሰልጠና ሓደ ጥዕና One Health ተዋሂቡ።
    እዚ ስልጠና ካብ ሰብ ናብ እንስሳን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ኣብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኣግባብ ምክልኻልን ኣድሂቡ ዝተወሃበ እንትኸውን ልዕሊ12 ሴከተራት ዘሳተፈ ኾይኑ ብዋናነት ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ቢሮ ጥዕና ዩኒቨርስቲ መቐለ ኮሌጅ ጥዕና እንሰሳን በዓል መዚ ከባቢ ሓለዋት ግራይን ይርከብዎም::
    ኣብዚ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ናይ ሰብ ሓኻይም፣ ናይ እንስሳ ሓኻይምን መፍረይቲ እንሰሳ ሓረስቶትን እንዳሰልጠኑ እንትኾኑ ካብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ዕዮ ክልልን ካብ ፌደራል ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ካብ ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያን ካብ ዓለም ለኸ ትካል ሕርሻን ምግብን FAO ሰብ ሞያ ተረኺቦም እዮም::
    ናይዚ ሰልጠና ዋና ዕላማ ካብ ሰብ ናብ እንስሳን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ምንፃር፣ ብእዋኑ ኣብ ምፅብፃብ፣ ዓቕሚ ላብራቶሪ ኣብ ምዕባይን ኣብ ኣግባብ ምክልኻል እዞም ሕማማትን እዩ።
    ቅድም ክብል ሴክተራት ነንበይኖም ምስርሖም ብበጀት፣ ብሓይሊ ሰብን ብኹለመዳይ ዓቕምን ምብኻን ፍልፍል ሃፍትን ምድግጋም ዕማምን ካብምፍጣር ብዝዘለለ ነዞም ሕማማት ኣብ ምክልኻል ኣድማዒ ውጻኢት ክርከብ ኣይካአለን።
    ሕዚ ግን ሓደ ጥዕና One Health ዝብል ጥምረት ምህላዉ ዓቕሚ፣ ጉልበት ሰብን ኩለመዳይ ሃፍትን ኣብ ምጥቃምን ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማምን ሕ/ስብ ኣብ ምንቃሕን ዝሓሸ ስራሕ እንዳተሰርሐ ይርክብ።

КОМЕНТАРІ •